ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ብምትሕብባር ኤርትራውያንን ካብ ጀርመን ዝመጹን ሞያውያን፡ ካብ 14 ሚያዝያ ዝጀመረን ክሳብ 28 ሚያዝያ ዝቕጽልን – ካብ 2 ክሳብ 14 ዓመት ንዝዕድመኦም ህጻናትን ቈልዑን ናይ ልቢ መብጣሕቲ ይካየድ ኣሎ።

ሓላፊት ክፍሊ ሕክምና ህጻናት ፕሮፌሰር ጽገረዳ ገብረሂወት፡ ቅድሚ 2002 ኣብ ሃገርና ዝካየድ ናይ ልቢ መብጣሕቲ ስለዘይነበረ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ንደገ ኬድካ ምሕካም ምንባሩ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ክቡርን ኣህላኽን ስለዝነበረ፡ ብዙሓት ቈልዑን ወለድን ይሽገሩ ምንባሮም ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 15 ዓመታት፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ ጀርመናውያን ሓካይም ብምትሕብባር ብዝጀመሮ መደብ፡ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ እናተኻየደ፡ ኣስታት 1600 ህጻናት ናጻ ናይ ልቢ መብጣሕቲ ከምእተገብረሎም ሓቢራ።

ሕማም ሓናት ናይ ልቢ ጸገም ከምጽእ ስለዝኽእል፡ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ደቆም ምክትታል ክገብሩ ዘዘኻኸረት ፕሮፈሰር ጽገረዳ፡ ኣብ እዋን መብጣሕቲ እኹል ቀረብ ደም ንምውሓስ፡ብሃገራዊ ባንክ ደምን ሃገራዊ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደምን ንዝግበረሎም ምድግጋፍ ኣመስጊና።

Categories