ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ማእከል፡ ብ12 ለካቲት – ኣብ ዓበይቲ ሕርሻዊ ንጥፈታት 2018 ንምዝታይ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀን ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ሓላፊ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ማእከል ኣቶ ሃይለሚካኤል እዮብ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን መሰረት እቶትን እቶታውነትን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብዕዙዝ ኮማዊ ተሳትፎ ንኽስራሓሉ፡ ምምሕዳራት ውዳበታተን ከደንፍዓ ኣዘኻኺሩ።

ዝሕረስ ስፍሓት መሬት ዞባ ማእከል፡ ብመንጽር ስፍሓት ናይ’ቲ ዞባን ኣብኡ ዝለምዕ ዘሎ ኣዝርእትን ብኣሃዛት ዝተሰነየ መግለጺ ዝሃበ ኣቶ ሃይለሚካኤል፡ ካብ’ቲ ዝሕረስ 29 ሽሕ ሄክታር፡ እቲ 26 ሽሕ ሄክታር ኣእካል፡ 3 ሽሕ ሄክታር ድማ ኣሕምልትን ፍረታትን ከምዝለምዕ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብመሰረት ዝተጠርየ ተመኲሮ – ኣብዚ ዓመት’ዚ ክዛለ ብዛዕባ ተወጢኑ ዘሎ ስፍሓት መሬት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ምሩጽ ዘርኢን ኣገዳስነቱን ብዝምልከቶም ሓለፍቲ መብርሂ ክወሃብ እንከሎ፡ ሓረስቶት ዓቕሞምን ፍልጠቶምን ዘዕብዩሉ ኣብያተ- ትምህርቲ ኣብ 84 ዓድታት ክድኰን መደብ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ስድራ-ቤታት በብዓቕመን ኣብ ምርባሕ ደርሁ ገደናን ምርባሕ ንህቢን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምልማዕ ኣሕምልትን ፍረታትን ክነጥፋን፡ ካብ ስድራ-ቤታትን ኮምን ዝብገስን ዝልካዕን መደባት ክተኣታቶን ኣዘኻኺሩ።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ እውን፡ ሓረስቶት ሳጋሚ ባርኖስ ንምክልኻል ኮለላ ከካይዱ፡ ንንህቢ ዝኾኑ ዓምበብቲ ኣትክልቲ ብብዝሒ ክትከሉን፡ ምቁር ድንሽ ክድፋኣሉን ተላብዩ።

Categories