ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ሚኒስትሪ ጥዕናን ካልኦት መሻርኽትን፡ ብ12 ለካቲት ኣብ ከተማ ባጽዕ – ኣብ ምውጋድ ክሽቦ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ካልኦት ጐዳእቲ ልምድታትን ዝቐንዐ ዓወደ-ዘተ ተኻዪዱ።

ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብ፡ ኣካላውን ስነ- ኣእምሮኣውን ሃስያታት ዘውርድ ዘሎ ልምድታት ንምብዳህ ዝካየድ ንጥፈታት ንምውህሃድ – ብደረጃ ሃገር ቈይማ ዘላ ኮሚቴ ምድግጋፍ ናይ ነፍስ-ወከፍ ዜጋን ኩሎም መሻርኽትን ከይፍለያ ኣዘኻኺራ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን እውን፡ ነቲ ሃሳዪ ልምድታት ንምግታእ ክሰላሰል ዝጸንሐ ንጥፈታት ከም’ቲ ዝድለ ከምዘየድምዐ ብምምልካት፡ ንግብራውነቱ ስ/ ኢብራሂም ዑመር – ውህደት ዝምልከተን ኣካላት መንግስትን ሃገራውያን ማሕበራትን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚባ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ክብሮም ዓንደሚካኤል ብወገኑ፡ እቲ መደብ ንንውሕ ዝበለ ግዜ’ኳ ክስራሓሉ እንተጸንሐ፡ ብተናጸል ይካየድ ብምንባሩ ከም’ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከምዘየድምዐ ጠቒሱ፡ እዚ ብደረጃ ሃገር ክስራሓሉ ተኣሚሙ ዘሎ ውሁድ ውጥን ስራሕ ንኽዕወት፡ ምምሕዳር ዞባ ዘድሊ ምድግጋፍ ክገብር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ነዚ ብደረጃ ዓለም ክሳብ 2030 ክሰምር ዝስራሓሉ ዘሎ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ንምዕዋት፡ በብደረጃኡ ዝቘማ ኮሚተታት ንጹር ብጽሒት ዕማማተን ተሳኢሉ ተዋሂቡወን ከምዘሎ፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

Categories