ላዕለዎት ክኢላታት ሕርሻ፡ ኣብ ምክልኻልን ምቊጽጻርን ባልዓትን ሕማማትን ብምትኳር፡ ምህርቲ ሓረስቶት ንምብርካት ብዝሓየለ ክሰርሑ፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣዘኻኺሩ።

ብ16 ጥሪ ኣብ ሓልሓለ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ገምጋም ስራሕ ‘ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ’፡ ሚኒስተር ኣረፋይነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ዝነበረ ዋሕዲ ዝናብ፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ዝርከቦም ባልዓት ኣብ ምህርቲ ሓረስቶት ሃስያ ከምዘውረዱ ጠቒሱ፡ ኣብ ኣገዳስነት ውህደት ላዕለዎት ክኢላታት ሕርሻን ሓረስቶትን ጸቒጡ ተዛሪቡ።

ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ናብ ሓረስቶት ተዘርጊሐን ዝራብሓ ዘለዋ ናይ ጸባ ከብትን፡ ካብ ዓዲ-ገዳን ታኺታን ናብ ንኡሳን ዞባታት ሰንዓፈን ሰገነይትን ዝተሰጋገሩ ምሩጻት ዓሌት ኣባጊዕን ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦም ከምዘሎ በሪሁ።

ኣብ ዝተፈላለየ ነቑጣታት ዝተዘርኡ ኣእካል፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ዝናብ ዘዕግብ ውጽኢት ከምዘይሃቡ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ጥረታት፡ ናይ ቅብኣ ኣዝርእትን ፍረታትን ግን ዘተባብዕ ምርምራዊ ስርሓት ከምእተኻየደን ደሓን ምህርቲ ከምእተረኽበን ኣነጺሩ።

ኣብ ሓልሓለ – ከባቢ ድባርዋ ዝርከብ ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ፡ ኣብ ነቑጣታት ሓልሓለ፡ ጎልጅ፡ ሻምብቆ፡ ሽዕብ፡ ጋሕቴላይ፡ ሓጋዝ፡ ኣፍደዩን ኣስመራን ምርምራዊ ስርሓትን ምብዛሕ ዝተፋላለዩ ኣዝርእትን እንስሳታትን የካይድ።

Categories