ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባ ሰልዓ፡ ዕድመኦም ንትምህርቲ ዝኣኸለ ህጻናት ኣብ መኣዲ ንምስታፎም ዝዓለመ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ሓለፍቲ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲን ኣካላት ምምሕዳርን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ብ16 ጥሪ ኣብ ርከብ ዋዕላ ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰልዓ ኣቶ ውኤላ መሓመድዓሊ፡ እቲ ንኡስ ዞባ ብዘለዎ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ፡ ራሕቅን ካልእ ብድሆታትን፡ ዛጊት ከም’ቲ ዝድለ ትሕተ-ቅርጻዊ ንጥፈታት ክዋደደሉ ስለዘይተኻእለ፡ ህዝቢ ድማ ኣብ ፋሕ ዝበለ ከባቢታት ስለዝቕመጥ፡ ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ከምዘይገስገሰ ብምሕባር፡ ነቲ ኩነታት ንምምሕያሽ፡ ኩለን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝነጥፋ ኣካላት ዓቲበን ክሰርሓ ምጽንሐን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ነቲ ዋዕላ ዝሕግዝ ጭቡጥ መጽናዕትታት ክቐርብ ከምዝኸኣለ ኣረዲኡ።

ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ሰልዓ ዝተገብረ ጽጹይ መጽናዕቲ፡ 5,285 ዕድመኦም ንትምህርቲ ዝኣኸለ ህጻናት ከምዘለዉ፡ እቶም ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘለዉ ግን ካብ ሓደ ሽሕ ከምዘይበዝሑ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ተሳተፍቲ ኣብ ዝቐረበ ወረቓቕትን ህልው ኩነታት ተሳፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርትን ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ነቲ ኩነታት ንምልዋጥ ካብኣቶም ዝሕተት ከማልኡ ድልውነቶም ብምርግጋጽ፡ ምትሕብባርን ምክትታልን ሚኒስትሪ ትምህርትን ምምሕዳር ዞባን ክዓዝዝ ተላብዮም።

ንኡስ ዞባ ሰልዓ፡ ኣብ መፋርቕ 2017 ካብ ዞባ ዓንሰባ ናብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝተሰጋገረት ኮይና – ርከብ፡ ግርግር- ገርሲ፡ ሸርኢት፡ መርበባዬብ፡ ባድን- ልጊቴ፡ ዴባ-ሳታ፡ ጣሕራ፡ ሓምበክታን ሕሩምን ዝበሃላ 9 ምምሕዳራት ከባቢ እትጥርንፍን ኣስታት 21 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላን እያ።

Categories