ሃማመተኤ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ብምትሕብባር፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ብስርሓት መግፈፊ ዓሳ ሰኪዐት ዘሰልጠነን 25 መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ተመሪቐን።

እቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ስልጠና፡ ንኣሰራርሓን ኣጸጋግናን ሰኪዐት ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣብ ንጥፈታት ምግፋፍ ዓሳን ቊጠባዊ ዓቕሚ ናይ’ተን ደቂ-ኣንስትዮን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ ኣብ’ቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት ተሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ኣቶ ኣሕመድ ቡካልያ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ምእራይ ጽፍሪን ዕንቊን ንዝነጥፋ ደቂ-ኣንስትዮ ዝወሃብ ስልጠና ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ዘካይዳኦ ንጥፈታት ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ክተሓባበረን ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ናይ’ቲ ዞባ መንእሰይ እድሪስ ዑስማን ድማ፡ ማሕበር ኣብ ርእሲ’ቲ ሞያዊ ትምህርቲ፡ መነባብሮአን ዘጣጥሓሉ ባይታ ንምፍጣር እውን ናይ ንኡስ ልቓሕ ዕድላት ኣታኣታትዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories