ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2018 ብ14 ጥሪ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ኣብ እዋናውያን ዞባዊ ጉዳያት፡ ትማሊ 20 ጥሪ ኣብ ኣገደስቲ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኰረ ቃለ-መሕትት ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ 26 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ኣብ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒን ምውሓስ ማዕረ ዕድላት ንዜጋታትን፡ ኣብ ጽላታት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ቀረብ ማይ፡ ውሕስነት መግቢ፡ ከምኡ’ውን ትሕተ-ቅርጺ ዝተገብረ ወፍሪን ዝተመዝገበ ገስጋስን፡ ከምኡ’ውን ጽላታት ኢንዱስትሪ፡ ሃብቲ ዓሳን ቱሪዝምን ንምብርባርን ንምምዕባልን ዘሎ መደባት ብሰፊሑ ኣብሪሁ።

ምስ’ዚ ኣተኣኣሳሲሩ’ውን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ 2018 ፍሉይ ቀዳምነትን ኣቓልቦን ዝወሃቦም መደባት ቊጠባዊ ዕብየት፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ ንደሞዝ ሰራሕተኛታትን መንበሪ ኣባይትን ብዝምልከት ሒዝዎ ዘሎ ናይ ትግባረ ውጥናት ኣነጺሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዘይካ’ዚ፡ ንመስርሕ ህንጸት ብቑዕን ኣድማዕን ትካላት መንግስቲን ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዘሎ ናይ መጻኢ መደባትን ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ’ቲ ብግዳም እናተመወለን እናተኣልየን ክካየድ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ሸርሒ ፍልሰትን መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ተጻብኦ’ዚ ንምግጣም ዘካይዶ ዘሎ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ጻዕሪን ዝርዝራዊ መግለጺ ሂቡ።

Categories