ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ መደባት 2017 ንምግምጋም ብ18 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ – ኣብ 2018 ንኣባላት ዝወሃብ ናይ ልቓሕ ዕድላት ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ምክትል ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ ፍስሃየ ተስፋሚካኤል፡ እቲ ዕላማ – ዝተተግበሩ መደባት ብመንጽር ኣድማዕነቶምን ሕጽረታቶምን ብምግምጋም፡ ዝውጠኑ መደባት ብዝበለጸ ውዳበ ንምትግባር ዘድሊ ውህደት ንምፍጣር ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ኣብቲ ጸብጻብ፡ ብኣባላት ዝርአ ኣብ ግዜኻ ልቓሕ ናይ ዘይምምላስ ድኻማት ከምዘሎ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣባላት ነቲ ልቓሕ ኣብ ዝተጸንዐ ዋኒን ብምውዓል ብግቡእ ክጥቀሙሉ፡ እቲ ዕድል ዘዋሪ ስለዝኾነ ድማ – ዕዳኦም ኣብ ግዜኡ ክመልሱ ብኣኼበኛታት ለበዋ ቀሪቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ እንተላይ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝዝርጋሕ ናይ ልቓሕ መደባት ክቕጽል፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክሰፍሕ ንስንኩላን ዘገልግል ናይ ጅምናዝዩም ማእከል ክኽፈት፡ ሓድሽ ማዕከን-ሓበሬታ ኣብ ኩለን ዞባታት ክተኣታቶ – ካብ መደባት 2018 ምዃኖም ተገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ – ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ውዳበኡ ንምስፋሕን፡ ጽጉማት ሰንኩላን ካብ ጸግዕተኛነትን ተጸባይነትን ተገላጊሎም መነባብሮኦም ንኽመርሑ ዝሕግዞም ዕድላት ልቓሕ ንምኽፋትን ዝሕግዞ ጐስጓሳዊ ኣኼባ – ብ16 ጥሪ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣካዪዱ።

ሓላፊ ማሕበር ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ሽምወለ ወልደገርግስ፡ ዛጊት ኣብቲ ዞባ 3,331 ስንኩላን ከም እተጥርነፉ፡ 2,140 ካብኣቶም ድማ ኣስታት 44.4 ሚልዮን ናቕፋ ልቓሕ ተዋሂብዎም ከምእተጣየሱ ኣብሪሁ።

Categories