ብምትሕብባር ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራን ኢንስቲትዩት ኮንፊሽየስን ተወዲቡ ንሓደ ወርሒ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ቅብኣ ስልጠና፡ ብ20 ታሕሳስ ተዛዚሙ።

ኣብ’ቲ ናይ ምዝዛም ስነ-ስርዓት፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ እቲ ምስ ሓድሽ ቅዲ ያታዊ ቅብኣ ቻይና ዘላሊ ስልጠና፡ ንስነ-ጥበባውያን ሃገርና ሓጋዚ ምዃኑ ኣገንዚቡ። ሰልጠንቲ ረኺቦምዎ ንዘለዉ ትምህርቲ ከም መበገሲ ተጠቒሞም፡ ፍልጠቶም ኣብ ምስፋሕን ዓቕሞም ክብ ኣብ ምባልን ክጽዕሩ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ነቲ ስልጠና ዝሃቡ ቻይናውያን ቀባእቲ ብወገኖም፡ እቶም ነቲ ትምህርቲ ዝተኸታተሉ ኤርትራውያን – ዝድነቕ ዓቕምን ናይ ፈጠራ ክእለትን ከምዘለዎም ብምሕባር፡ እቲ ናይ ሓደ ወርሒ ስልጠና ተመኲሮ ክለዋወጡ ዕድል ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም።

እቶም መማህራን ምኲራትን ፍልጠቶም ከመሓላልፉ ድሌትን ብቕዓትን ዘለዎም ምዃኖምን ዝሓበሩ ሰልጠንቲ ድማ፡ ፍሉይን ተወሳኺን ፍልጠት ከምዝደለቡ ገሊጾም።

Categories