ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተዋፊሮም ዝርከቡ ሞያውያን ጥዕና፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ስሩዕ ሞያዊ ንጥፈታቶም፡ ኣብ ምብራኽ ርድኢት ሕብረተሰብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከዛይዱ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ- ባርካ ጸዊዑ።

ሓላፊ ናይ’ቲ ጨንፈር ዶክተር ልኡል ባንተይርጋ ምስ ሞያውያን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ሕጽረት ኣፋውስ ከምዘሎ ኣምሲልካ ብቐጻሊ ዝስማዕ ዘረባታት፡ መበገሲኡ ሕጽረት ኣፋውስ ዘይኮነ ናይ መረዳእታ ጸገም ምዃኑ ብምምልካት፡ ብክኢላታት ጥዕና እኹል መረዳእታ ክወሃብ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ዝኾነ ኣብ ትካል ጥዕና ዝበጽሕ ሕሙም፡ ግድን መድሃኒት ክወስድ ናይ ምድላይ ግጉይ ኣረዳድኣ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ዶክተር ልኡል፡ ሓያሎ ሕማማት ብምኽርን ስርዓተ- ኣመገግባን ክፈወሱ ከምዝኽእሉ ንተሓካሚ ድዩ ነቲ ካልእ ሕብረተሰብ ንምርዳእ ጻዕሪ ከምዝሓትት ኣገንዚቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ቀረብ መሰረታዊ ኣፋውስ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገር ምርግጋጽ ሓደ ካብ ቀዳምነታቱ ምዃኑ ዝሓበረ ዶክተር ልኡል፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ፈለማ ተስዓታት ካብ 100 ሽሕ ናቕፋ ኣብ ዓመት ዘይሓልፍ ዝነበረ ወጻኢታት መድሃኒትን ምስኡ ዝኸይድ መሳርሒታትን፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ናብ ልዕሊ 40 ሚልዮን ናቕፋ ክብ ምባሉ ናይ’ዚ መርኣያ ምዃኑ ኣረዲኡ።

Categories