ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ንምዕባለ ደቂ- ኣንስትዮ ዝሃሲ ድሑር ልምድታት ንኽውገድ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ፡ ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ብምህላዉ – ውሁድ ጻዕሪታት ክቕጽል መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዓሊ ጃብር ምስ ነበርቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብዝተኻየደ ጽዑቕ ጐስጓስ ርድኢት ሕብረተ-ሰብ እናተለወጠ ይመጽእ ምህላዉ ብምሕባር፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ተመሳሳሊ ንጥፈታት ክካየድ ከምዘድሊ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ብኹሉ-እንትናአን ብቑዓትን ተወዳደርትን ደቂ-ኣንስትዮ ንምፍራይ፡ ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከብርክት ተላብዮም።

Categories