ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ መጋወዳ – ንኡስ ዞባ መንሱራ፡ ኣጋጢምዎም ዝጸንሐ ጸገም ዝስተ ማይ ፍታሕ ከምዝረኸበ ገሊጾም።

ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሐ ትሕተ-ቅርጺ ፕሮጀክት ማይ ብምብልሻዉ፡ ኣስታት 7 ኪሎ-ሜተር እናተጓዕዙ ክሰትዩ ዝተገደዱ ነበርቲ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ስለዝተዓረየ – ጸገሞም ፍታሕ ከምዝረኸበ ሓቢሮም።

እቲ ፕሮጀክት፡ ልዕሊ 7 ኪሎ-ሜተር ዝተዘርግሐ ሻምብቆታትን ክልተ መከፋፈሊ ነቚጣታትን የጠቓልል።

ኣመሓዳሪ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሸከዲን ሳልሕን ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ መጋውዳ ኣቶ ዓብደላ ኣቡበከርን፡ ነበርቲ – ነቲ ፕሮጀክት ክከናኸንዎን ውሕሉል ኣጠቓቕማ ማይ ከዘውትሩን ተላብዮም። ኣብ ምዕራይ’ቲ ፕሮጀክት ብጉልቦቶምን ገንዘቦምን ንዝተተሓጋገዙ ድማ ኣመስጊኖም።

Categories