ኣብ ዞባ ማእከል፡ ውጽኢት ሃገራዊ መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ ንምብራኽ ዝያዳ ጻዕርታት ከምዘድሊ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ-ትምህርቲ ውጽኢት ንምግምጋም ብ16 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተገሊጹ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ሓላፊ መሰረታዊ ትምህርቲ መምህር መስፍን ወልደስላሰ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ ዓመተ-ትምህርቲ 2016/2017 ሃገራዊ መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ ካብ ዝተሳተፉ ልዕሊ 13 ሽሕ ተመሃሮ፡ 64 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝሓለፉ ብምሕባር፡...
Layout A (with pagination)
ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ መሃይምነት ከጥፍኡ ካብ ዝተመዝገቡ፡ 98 ሚእታዊት ትምህርቶም ብግቡእ ከም ዝዛዘሙ፡ እዚ ድማ ንጽቡቕ ገስጋስ ናይ’ቲ መደብ ዘርኢ ምዃኑ ተገምጊሙ። ብ14 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓላፊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር መሪሕ ኪሮስ፡ መሃይምነት ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ንምውራድ፡ ብምውህሃድ ምምሕዳራትን መምህራንን ሓያል ጻዕሪ ክካየድ ምጽንሑ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ 20 ኘቝጣታት ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲ ድማ መርኣያ ናይ’ዚ...
ኣብ ገማግም ሩባ ሞዖ – ንኡስ ዞባ ናቕፋ ኣብ ልምዓት ጀራዲን ዝነጥፉ ዘለዉ ሓረስቶት፡ ጻዕሮም ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዝረኸቡሉ፡ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም። ንሳቶም፡ ብክኢላታት ሚኒስትሪ ሕርሻ ዝወሃቦም ሞያዊ ምኽሪ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ንሓድሕዶም ዘካይድዎ ምልውዋጥ ተመኲሮ፡ ኣብ ምምዕባል ንጥፈታቶም ዓቢ ሓገዝ ኰይኑዎም ከምዘሎ ሓቢሮም። ብልዑል ጻዕርን ተጻዋርነትን ዘፍርይዎ ዘለዉ ኣሕምልቲ፡ ጠለባት ዕዳጋ ከተማ ናቕፋ ኣብ ዘማልኣሉ ደረጃ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ገለብ – ምምሕዳር ከባቢ ማዛባጥ ዘሎ ሽግር ዝስተ ማይ ንምቅላል፡ ብኣስታት 3 ሚልዮን ናቕፋ ፕሮጀክት ማይ ይትግበር ኣሎ። እዚ 10 ሚእታዊት ካብ ወጻኢታቱ ብጉልበት ነበርቲ ዝሽፈን ፕሮጀክት ማይ፡ ምዂዓት 4 ኪሎ-ሜተር ጐዳጒዲ፡ ምዝርጋሕን ምግጥጣምን ሻምብቆታት፡ ምትካል ጸሓያዊ ጸዓትን ምውዳድ 3 መዐደሊ ነቝጣታትን የጠቓልል። ኣደታት፡ ማይ ንምጒራት ብዝባነንን መጽዓኛን 4 ኪሎ-ሜተር ይጐዓዛ ከምዘለዋ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ’ቲ ከባቢ...
ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሳግም – ተሰነይ፡ ኣብ ምግራብ ብዞባ ደረጃ ኣመዝጊባቶ ዘላ ጸብለልታ፡ ውጽኢት ውሁድ ጻዕሪ ተመሃሮን መማህራንን ምዃኑ፡ ርእሰ-መምህር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ተኪኤ መድሃኔ ሓቢሩ። መምህር ተኪኤ፡ እቲ ናይ ምግራብ ስራሓት ኣብ 2007 ምስ ምህናጽ ቀጽሪ ቤት-ትምህርቲ ከም እተበጋገሰ፡ ኣብ 2011 ድማ ብወፍሪ ምግራብ 2000 ፈልሲታት ከምእተተኽለ፡ ካብ’ዚ እቲ ኣስታት 1700 ጸዲቑ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ...