ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ መሃይምነት ከጥፍኡ ካብ ዝተመዝገቡ፡ 98 ሚእታዊት ትምህርቶም ብግቡእ ከም ዝዛዘሙ፡ እዚ ድማ ንጽቡቕ ገስጋስ ናይ’ቲ መደብ ዘርኢ ምዃኑ ተገምጊሙ።

ብ14 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓላፊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር መሪሕ ኪሮስ፡ መሃይምነት ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ንምውራድ፡ ብምውህሃድ ምምሕዳራትን መምህራንን ሓያል ጻዕሪ ክካየድ ምጽንሑ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ 20 ኘቝጣታት ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲ ድማ መርኣያ ናይ’ዚ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብሰንኪ ሰበኽ-ሳግማዊ መነባብሮን መጓሰን፡ ኣብ ግቡእ ዕድመኦም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክቐርቡ ዘይከኣሉ ካብ 6 ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ብመጽናዕቲ ተለልዮም፡ ዳግማይ ዕድል ዝረኽቡሉ ባይታ ንምጥጣሕ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ኣቶ ብርሃነ መንገሻ ብግደኡ፡ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ብሰንኪ ራሕቂ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ መባእታ ደረጃ ምቊራጽ ከምዝርአ ብምሕባር፡ ነዚ ተርእዮ’ዚ ንምግታእ ብውህደት ክስራሕ ተማሕጺኑ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትማሃርን ብዘይተሳትፎ ኮምን ምምሕዳራትን ኣድማዕነት ክህልዎ ከም ዘይክእል ብምሕባር፡ ህዝቢ’ቲ ንኡስ ዞባ ብተበግሶኡ ንምዕባለ ኣገልግሎት ትምህርቲ ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ሞጒሱ።

ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ኣብ 17 ምምሕዳራት ከባቢ ዝተዘርገሓ 35 ትካላት ትምህርቲ ኣለዋ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ፡ ንጥፈታት ትምህርቲ ንምግምጋምን ዝርኣዩ ጸገማት ንምፍታሕን ዝዓለመ ርክብ ብ10 ሕዳር ተኻዪዱ።

ኣብ’ቶም ዝርኣዩ ቀንዲ ጸገማት ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ፡ ወለዲ፡ ንተመሃሮ ደቆም ኣብ ምስዳድ፡ ምክትታልን ምትብባዕን ጻዕሮም ከዛይዱ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

Categories