ኣብ ገማግም ሩባ ሞዖ – ንኡስ ዞባ ናቕፋ ኣብ ልምዓት ጀራዲን ዝነጥፉ ዘለዉ ሓረስቶት፡ ጻዕሮም ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዝረኸቡሉ፡ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

ንሳቶም፡ ብክኢላታት ሚኒስትሪ ሕርሻ ዝወሃቦም ሞያዊ ምኽሪ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ንሓድሕዶም ዘካይድዎ ምልውዋጥ ተመኲሮ፡ ኣብ ምምዕባል ንጥፈታቶም ዓቢ ሓገዝ ኰይኑዎም ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብልዑል ጻዕርን ተጻዋርነትን ዘፍርይዎ ዘለዉ ኣሕምልቲ፡ ጠለባት ዕዳጋ ከተማ ናቕፋ ኣብ ዘማልኣሉ ደረጃ ከምዝበጽሐን ኪኖኡ ዝኸይድ ውጽኢት ንምርካብ ጻዕርታቶም ቀጻሊ ምዃኑን ብምርግጋጽ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ መድሃኒት ጸረ- ባልዕ ክቕርበሎም ተላብዮም።

Categories