ኣብ ንኡስ ዞባ ገለብ – ምምሕዳር ከባቢ ማዛባጥ ዘሎ ሽግር ዝስተ ማይ ንምቅላል፡ ብኣስታት 3 ሚልዮን ናቕፋ ፕሮጀክት ማይ ይትግበር ኣሎ።

እዚ 10 ሚእታዊት ካብ ወጻኢታቱ ብጉልበት ነበርቲ ዝሽፈን ፕሮጀክት ማይ፡ ምዂዓት 4 ኪሎ-ሜተር ጐዳጒዲ፡ ምዝርጋሕን ምግጥጣምን ሻምብቆታት፡ ምትካል ጸሓያዊ ጸዓትን ምውዳድ 3 መዐደሊ ነቝጣታትን የጠቓልል።

ኣደታት፡ ማይ ንምጒራት ብዝባነንን መጽዓኛን 4 ኪሎ-ሜተር ይጐዓዛ ከምዘለዋ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ’ቲ ከባቢ – ኣቶ ማሕሙድ እድሪስ-ኖር፡ እቲ ፕሮጀክት ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ተጠርኒፎም ዘለዉ ልዕሊ 2,200 ነበርቲ ውሑስ ኣገልግሎት ማይ ክረኽቡ ምዃኖም ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ገለብ ኣቶ ኣሕመድ ዑስማን ፍሩጅ፡ ካብ ነበርቲ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ እቶም 40 ሚእታዊት ጥራይ ጽሩይ ማይ ይረኽቡ ከምዘለዉ ድሕሪ ምሕባር፡ ማይ ውሕሉል ኣጠቓቕማን ጽፉፍ ምሕደራን ከምዘድልዮ ኣገንዚቡ።

ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ማዛባጥ ብዘይካ’ዚ፡ ከባብያዊ ጽሬት ብምውሓስ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል – 200 ዓይኒ ምድሪ ከምዝሃነጹ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories