ERi-TV, Eritrea – Tigrinya Midday News for December 14, 2019
Author - Staff
ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብሞያ ዝሰልጠኑ 173 መንእሰያት፡ ብ8 ታሕሳስ ተመሪቖም። እቲ ሞያዊ ስልጠና፡ ቴክኖሎጂ ኮምፕዩተር፡ ስነ-ጽባቐ ጸጒሪ ርእሲን ካልእን የጠቓልል። ብዘይካ’ዚ፡ ካብ 13 ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ ንዝተዋጽኣ 48 ደቂ-ኣንስትዮ፡...
ኣብ ሓውሲ-ከተማ ጸሮና፡ ምርጫታት ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ተኻዪዱ። እታ ሓውሲ-ከተማ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ምምሕዳር ከባቢ እያ ጸኒሓ። ብክልተ ምምሕዳራት ከባቢ ክትመሓደር ስለዝተወሰነ ከኣ፡ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ እትርከቦም ክልተ ኣመሓደርትን ክልተ ኣካየድቲ ስራሕን...
ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓቕሚ ኣባላቱ ኣብ ምሕደራ ሓበሬታን ንዋይን ከምኡ’ውን ኣብ ስነዳ ክብ ንምባል፡ ኣብ ባጽዕ – ናይ ክልተ ሰሙን ስልጠና ወዲቡ። እቲ 120 ሰራሕተኛታት ዝተሳተፍዎ ትምህርቲ፡ ስርዓተ-ስነዳ፡ ምሕደራ ማዕከን ሓበሬታ፡...
ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ብ6 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተገምጊሙ። ሓላፊ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ሳልሕ ሙሳ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ዝተመዝገቡ – እቶም ልዕሊ 30 ሚእታዊት...
ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ናይ ዓመተ-ትምህርቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ናይ 2019 ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ገምጊሙ 2018/2019 ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት፡ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ሆቴል እምባሶይራ ገምጊሙ። ወኪል ሚኒስተር ትምህርትን ዋና ዳይረክተር...
ERi-TV, Eritrea – Tigrinya Evening News for December 13, 2019
ፖሊስ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ባረንቱ ንተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት፡ ከምኡ’ውን ንወነንትን ሰራሕተኛታትን ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ምክልኻል ገበናት ዘተኰረ ኣስተምህሮ ሂቡ። እቲ ብቐንዱ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ዘድሃበ ኣስተምህሮ፡ ገበናት ቅድሚ ምፍጻሞም...
ኤርትራ፡ ኣብ መበል 40 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሚኒስተራት ውድብ ሓባራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ – ኮሜሳ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ምርኢት መንእሰያት ተሳቲፋ። ኣብ’ቲ ካብ 25 ክሳብ 28 ሕዳር ኣብ ሉሳካ – ዛምብያ...
ኤርትራ፡ ብ9ን 10ን ታሕሳስ ኣብ ናይሮቢ – ኬንያ ኣብ ዝተቓንዐ 9ይ ዋዕላ መራሕቲ ውድብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካሪብያንን ፓሲፊክንን ተሳቲፋ። ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም ዝተመርሐን ቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ኣብ ብራስለስ ኣቶ...