ኣብ ከባቢ ዲጋታት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ተጠቀምቲ ‘ዓሳ ጥዑም ማይ’ ንምግባሮም – ይሰርሓሉ ከምዘሎ፡ ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝወደቦ ኣኼባ ተገሊጹ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ናይ’ቲ ዞባ፡ ኣቶ ኣቡበከር ዑስማን፡ ቈይመን ዘለዋ ማሕበራት ገፈፍቲ ዓሳ ንምሕያል፡ ብወገን ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕርን ምምሕዳር ዞባን ዘድሊ ምትሕባብር ይግበር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ መኮነን ግርማይ ብወገኑ፡ ኣብ 9 ዲጋታት ዝተፈላለዩ ዓይነት ዓሳታት ፈርዮም ከምዘለዉ፡ ማሕበራት ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ኣተባባዒ ስርሓት ይዓማ ከምዘለዋ ገሊጹ።

ኣብ ዲጋታት ፋንኮ-ራዊን ፋንኮጽሙእን ዘለዉ ዓሳታት – ጽቡቕ ዕብየት ከምዘመዝገቡን፡ ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ንመግቢ ክጥቀሙሎም ከምዝጀመሩን እውን ኣረዲኡ።

Categories