ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ-ብሪጣንያን ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ጨንፈር ሚላኖ – ኢጣልያን፡ ብ2 ለካቲት ጉባኤታቶም ኣቃኒዖም።

ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣብ ብሪጣንያ፡ “ውሁድ ውዳበ – ንስኒት፡ ሕውየትን ልምዓትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ካልኣይ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ኮቨንትሪ ኣቃኒዑ። ናይ 5 ዓመታት ገምጋማዊ ጸብጻብ ቀሪቡ ድማ ተዘትዪሉ።

ካብ 11 ከተማታት ናይ’ታ ሃገር ዝተወከሉ ኣካላት ውዳበታት ኣብ ዝተሳተፉዎ ጉባኤ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን፡ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽን፡ ዓበይቲ መደባት ይሰላሰሉ ምህላዎም ድሕሪ ምሕባር፡ ተጋባእቲ – ነዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መዋእል ዝበቅዕ መደባት ስራሕ ክሕንጽጹ ኣዘኻኺሩ።

ኣቦ-መንበር ናይ’ቲ ሃገራዊ ሽማግለ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ድማ፡ “2ይ ጉባኤና ንዳግመ-ህንጸት ሃገር ተበጊስናሉ ኣብ ዘለና እዋን ይሰላሰል ብምህላዉ፡ ኣገዳስነቱ ዝዓዘዘ እዩ” ክብል ኣገንዚቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ንክልተ ዓመት እተገልግል ኣካያዲት ኣካል ተመሪጻን፡ ኣገዳሲ ውሳነታት ሓሊፉን።

ብተመሳሳሊ፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ጨንፈር ሚላኖ፡ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ግርማይ ሃብተሚካኤልን፡ ኣካየድቲን ኣባላትን ናይ’ቲ ጨንፈርን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ኣብ ከተማ ሚላኖ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ።

እቲ ጨንፈር ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ዘሰላሰሎ ንጥፈታት ድሕሪ ዝተገብረ ገምጋም፡ ንዝመጽእ ክልተ ዓመት እትመርሕ ኣካል ተመሪጻ።

Categories