ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንኡስ ዞባ ኣራዕታ፡ ካብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ዝተዋጽኡ ሽዱሽተ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 25 ዓዳውያን ሓካይም፡ ብዛዕባ ውሁድ ሕክምና ህጻናት ትምህርቲ ተዋሂቡዎም።
እቲ ኣብ ጢዖ – ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ትምህርቲ ብ30 ጥሪ ኣብ ዝተዛዘመሉ፡ ዕላማኡ – ሞያዊ ዓቕሚ ዓዳውያን ሓካይም ክብ ኣቢልካ፡ ካብ ትካላት ጥዕና ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት፡ ኣብ ምክትታል ጥዕና ህጻናትን ቈልዑን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ከም ዝህልዎም ንምግባር ከምዝኾነ ተገሊጹ።
ሓላፊ ጥዕና ስደራ-ቤትን ኮምን መንእሰይ መሓመድ ኣንዋር፡ ሰልጠንቲ ነቲ ብግብሪ ተሰንዩ ዝተዋህቦም ትምህርቲ፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ሕብረተ-ሰቦም ብተገዳስነት ክሰርሑሉ ኣዘኻኺሩ።
ሰልጠንቲ፡ እቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ – ብሕልፊ ኣብ’ቲ ዝነጥፉሉ ከባቢታት ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ንኣድማዕነቱ ኣብ ስራሕ – ዘድሊ ናይ ናውቲ ቀረባት ክማላእ ተላብዮም።