ኣብ ከተማ ኣፍዓበት፡ ብ‘ሓምላይ ክለብ’ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዝተበጋገሰ ናይ ምግራብ ንጥፈታት፡ ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ኣብያተትምህርቲ፡ መንበሪ ኣባይቲን ካልእን ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ፈልሲታት፡ ዝብላዕ ፍረታት ዝህብ ከምኡ’ውን ኣገዳሲ ዕንባባታት ዘውጽእ ናይ 96 ዓይነታት ኣግራብ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ዳይረክተር ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣፍዓበት፡ መምህር ኣሕመድ እብርን ሓላፊ ‘ሓምላይ ክለብ’ መምህር እድሪስ መሓመድኣሕመድን፡ ባዕሎም ዝመስረትዋ መደበር ፈልሲ፡ ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ከምዝበቕዐት ገሊጾም።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ክኢላ ምግራብ፡ ኣቶ ጀማል እድሪስ፡ ዝዓበየ ዓወት ምቛም ናይ’ታ መደበር ፈልሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንዕብየታን ምዕባለኣን ሓገዝ ዞባ ከምዘድልዮም ኣዘኻኺሩ።

Categories