ኣብ ሳዋ፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ኣብ ክፍሊ ዝወሃብ ስሩዕ ትምህርቲ፡ ኣብ መንጎ ተመሃሮ ንዘሎ ናይ ፍልጠት ጋግ ብምጽባብ – ብቕዓቶም ክብ ንምባል ዝወሃብ ዘሎ ተወሳኺ ትምህርቲ፡ ኣብ ምብራኽ ሞራልን ብቕዓትን ተመሃሮ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ኣወሃሃዲ ናይ’ቲ ኣብ መንበሪ ተመሃሮ ዝወሃብ ትምህርታዊ ሓገዝ – መምህር በሪሁዋ የማነ፡ እዚ ቅድሚ 12 ዓመታት ኣብ መበል 21 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብወለንታውያን መማህራን ዝተጀመረ መደብ፡ ኣድማዕነቱ ተራእዩ ካብ ዓመተትምህርቲ 2010/2011 ብስሩዕ ተታሒዙ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።
ቀንዲ ዕላማኡ – ተመሃሮ ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ተመጣጣኒ ብቕዓትን ፍልጠትን ሒዞም ንክቐርቡ ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ።
ሓላፊ ኣካዳሚያዊ ጉዳያት መምህር ምሕረትኣብ ገብረስላሴ፡ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ፡ ካብ መላእ ሃገር ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታን ብቕዓትን ዘለዎም ተመሃሮ ስለእትቕበል፡ ደረጃ ፍልጠቶም ብምቅርራብ ውጽኢቶም ክብ ንምባል፡ ዕቱብ ጻዕሪታት ከምዝካየድ ሓቢሩ።
እቲ ዝወሃብ ዘሎ ተወሳኺ ትምህርቲ፡ ተመሃሮ ርእሰ-ምትእምማኖም በሪኹ – ረጊኦም ንኽጽዕሩ ዝድርኽ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ዝጠቐሰ መምህር ምሕረትኣብ፡ እቲ ዝጸንሐ ናይ ፍልጠት ጋግ ምሉእ ብምሉእ ከተመዓራርዮ እኳ ዝከኣል እንተዘይኮነ፡ ብመጠኑ ንምጽባቡ ተኻኢሉ ከምዘሎ ኣብሪሁ።