ሓረስቶት ምምሕዳር ከባቢ ኣረዳ – ንኡስ ዞባ ሞጎሎ፡ ብሚኒስትሪ ሕርሻ ብዝተገብረሎም ምትብባዕን ምኽሪን፡ ብመስኖኣዊ ኣገባብ ኣሕምልትን ፍረታትን ከልምዑ ከምዝጀመሩን፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ከምዝረኸቡሉን ገሊጾም።
እቶም ሓረስቶት፡ ንዝግበረሎም ዘሎ ምትብባዕን ደገፍን ድሕሪ ምምስጋን፡ ሰኣን ኣፍልጦ – ብዘይካ ኣብ ክረምታዊ ሕርሻ ኣብ ልምዓት ጀራዲን ክነጥፉ ከምዘይጸንሑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና፡ ብግብራዊ ስራሕ ተመኵሮ ኣጥርዮም ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ፍርዙን ገብረወልድ እውን፡ እቶም 10 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 20 ሓረስቶት፡ ብሓገዝ ክኢላታት ሕርሻ መሬቶም ብምድኳዕ ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝገበርዎ ሕርሻዊ ፈተነ፡ ጽቡቕ እቶት ክረኽቡሉ ከምዝኸኣሉ ኣረዲኡ።
ብዝተኻየደሎም ጐስጓሳትን ዝተገብረሎም ሓገዝ ናውቲ ሕርሻን፡ ኣብ እቶቶምን ኣፍልጦኦምን ለውጢ ከምጽኡ ምብቃዖም ሓቢሩ።
ካብ ባረንቱ 20 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ ምምሕዳር ከባቢ ኣረዳ፡ 415 ስድራ-ቤታት ኣለዋኣ።