ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ንፋስ – ንኡስ ዞባ ኣኽርያ፡ ሓዳስ መደበር ጥዕና ብ2 ለካቲት ተመሪቓ ንኣገልግሎት ድልውቲ ኰይና።
ኣብ’ቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል ሓላፊት ሰሜናዊ ምዕራብ ኣስመራ፡ ሲስተር ሂወት ገብረኪዳን፡ ምኽፋት መደበር ጥዕና ዓዲ-ንፋስ፡ ኣካል ናይ’ቲ ዜጋታት ኣብ ውሽጢ 5 ኪሎ-ሜተር ኣገልግሎት ጥዕና ክረኽቡ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጻ።
እዛ ብሸውዓተ ክፍልታት ዝቘመትን መሰረታዊ ናውቲ፡ መድሃኒትን ዓቕሚሰብን ዓጢቓ ተበጊሳ ዘላን መደበር ጥዕና፡ ኣገልግሎታት ክትትል ጥንስን ሕርስን፡ መደባት ክታበትን ዕብየትን ህጻናት፡ ጥዕና ፍርያምነት ስድራቤት፡ ኣገልግሎት ሕክምና ትሕትን ልዕሊን 5 ዓመት፡ ወለንታዊ መርመራ ደም፡ ዕደላ መድሃኒትን ካልእን ከምእትህብ፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።
እታ መደበር ጥዕና፡ ነቲ ኣገልግሎት ጥዕና ንምርካብ ርሑቕ ዝጐዓዝ ዝነበረ ህዝቢ ዓቢ ሓገዝ ምዃኑ ዝሓበረት ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ኣኽርያ ወይዘሮ ሊያ በረኸትኣብ፡ ህዝቢ ብግቡእ ክጥቀመላን ግቡእ ክንክን ክገብረላን ተላብያ።
ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል ዶክተር ተስፋይ ሰሎሞን፡ እታ ትካል ጥዕና ንምዕባለ ኣገልግሎታታ – ኣድላዪ ደገፍ ክግበረላ ተላብዩ።
ኣብ ንኡስ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣስመራ፡ ምስ’ዛ ሕጂ ተኸፊታ ዘላ መደበር ጥዕና – 5 ትካላት ጥዕና ኣለዋ።