ኣብ መስመር መንደፈራ – ዓረዛ፡ ነፋሲት ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ፡ ብ29 ጥሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና፡ 4 ሰባት ሞይቶም 7 ብኸቢድ ከምእተጐድኡ፡ ደንጕዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

ክልተ ካብቶም መወትቲ፡ መጻምድቲ ሰብ ሓዳር ምንባሮም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ኣብ ከባቢ ሰዓት 2፡00 ድሕሪቐትሪ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ER1-A9650 ላንድ ክሩዘር ዝዓይነታ ናይ ግሊ መኪና፡ 12 ሰባት ጽዒና ካብ መንደፈራ ናብ ዓረዛ እናተጓዕዘት – መስመራ ስሒታ ከምዝጸደፈት፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

መርማሪ ሓደጋታት ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ደቡብ ጳውሎስ ኪዳነ፡ እታ ናብ ቀብሪ ዝኸዱ ጽዒና ትኸይድ ዝነበረት መኪና፡ ጠንቁ ዛጊት ብዘይተነጸረ ምኽንያት ነቲ ሓደጋ ከምእተቓልዐት ገሊጹ።

ካብቶም ቊሱላት ሓደ፡ ማህሰይቱ ፈኲስ ስለዝነበረ – ሕክምናኡ ወዲኡ ንገዝኡ ክፋኖ እንከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል መንደፈራን ኣስመራን ረድኤት ይግበረሎም ኣሎ።

እቲ መርማሪ ሓደጋታት ኣብ መወዳእታ፡ ብሕልፊ ኣብ ውራያትን ቀብሪን ዝርአ ላዕልን ታሕትን ንሓደጋ የቃልዕ ስለዘሎ፡ ተሳፈርትን መራሕቲ መካይንን ክነቕሑሉን ጥንቃቐታት ክዝውተርን ኣተሓሳሲቡ።

Categories