ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብ፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝርከቡ ግዳያት ማሕበራዊ ጸገማት፡ ርእሶም ክኢሎም ካብ ተጸባይነት ንኽገላገሉ ዝግበር ንጥፈታት ክወሃሃድን ክመላላእን ከምዝግባእ፡ ብ29 ጥሪ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ኣገንዚባ።

ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና፡ ዝተማልአ ማሕበራዊ ድሕነትን ውሕስነትን ንምርግጋጽ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ዝጠቐሰት ሚኒስተር ልኡል፡ እቲ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝግበር ጽጉማት ናይ ምሕጋዝ መደባት ኣድማዕነት ክህልዎ ምእንቲ – ክወሃሃድ ጸዊዓ።

ብመሰረት ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ኣስታት 34 ሚልዮን ናቕፋ ደበስ ንስድራ ስዉኣት ክኽፈል እንከሎ፡ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ዜጋታት ዝተላእከ ኣስታት 2 ሚልዮን ናቕፋ ድማ ንዝምልከተን ስድራ ስዉኣት ተዋሂቡ።

ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣቶ እዮብ ኪዳነ – ንመደባት 2020 ኣብ ዝምልከት፡ ኣብ ርእሲ’ቶም ብስሩዕ ዝካየዱ ስራሓት፡ ኣብ ምርግጋጽ መሰላት ቈልዑ፡ ምውጋድ ጎዳእቲ ልምድታትን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ዘተኰሩ ሰፋሕቲ መደባት ከምዝትግበሩ ኣብሪሁ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ምምሕዳር ዞባ – ጽጉማት ዜጋታት ርእሶም ክኢሎም ካብ ተጸባይነት ንኽገላገሉ፡ ብፍላይ ኣብ ሕርሻ ዝተጸንዐ ሓገዛትን ሓለፋታትን ክገብር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

Categories