ብምውህሃድ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ማሕበር ምሕዝነት ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ዝተወደበ – ኣብ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ክልቲኡ ሓው ህዝብታት ዘተኰረ ዘተ ኣብ ካርቱም ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ “ጸላዊ ህዝባዊ ድፕሎማሲ ንምርግጋጽ” ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ ዘተ፡ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ፡ ምሁራን፡ ጋዜጠኛታት፡ ግዱሳት ሱዳናውያንን ኣባላት ማሕበረ-ኮም ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ተሳቲፎም ነይሮም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ፡ ምስ ምምጻእ ሓድሽ ለውጢ ኣብ ሱዳን፡ ንክልተኣዊ ረብሓ ዘደንፍዕ ናይ ሽርክነት መደባት ንምትግባር ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዕላማ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ነቲ ነዊሕ ዝሰረቱ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ብምድልዳል፡ ኣድማዒ ሽርክነታውን ምሕዝነታውን መደባት ንምትግባር ዝሕግዝ ባይታ ንምጥጣሕ ምዃኑ፡ ስለ’ዚ ድማ ተዛተይቲ ብኣገደስቲ ሓሳባት ከሀብትምዎ ትጽቢት ከምዝግበር ኣቶ ኢብራሂም ኣገንዚቡ።

ብኻልእ ወገን፡ ሃማደኤ ጨንፈር ብሪጣንያ እውን፡ ብ25 ጥሪ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ገምጋም ስራሕ ኣካዪዱ።

ልዕሊ 34 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ንፕሮጀክት ህንጻ ኣዳራሽ ሃማደኤ መንደፈራ ከምዝለኣኸ፡ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ ኣብ ለንደን ንምዕዋት ዕዙዝ ተራ ከምእተጻወተ፡ ኣብ ቦሎኛ ኣብ ዝተሰላሰለ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ዝነኣድ ሱታፌ ከምዘረጋገጸ ድማ ተገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ኣቲናዮ ኣብ ዘሎና መድረኽ ሰላምን ልምዓትን፡ ተራ ማሕበር ንምርግጋጽ ክሰርሓ ተሰማሚዐን።

ሃማደኤ ጨንፈር ጀርመን ብወገነን፡ ብምኽንያት 3 ታሕሳስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስንኩላን – ኣብ ዝወደባኦ ናይ ዝኽሪ መደብ ዝተረኽበ ልዕሊ 19 ሽሕን 600ን ዩሮ፡ ንሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ወፍየናኦ።

Categories