ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ፡ ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ብ8 ሚእታዊት ከምዝዓበየ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ከም’ቲ ዝድለ ንምዃን ግን – ተራ ወለዲ ክዓዝዝ ከምዝግባእ፡ ብ22 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ተገሊጹ።
ንዘራእቲ ኣብ ዝምልከት፡ ሎሚዘመን ብዝነበረ ክራማት – ልዕሊ 12 ሽሕ ሄክታር ዝተፈላለየ ኣእካል ተዘሪኡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ በጺሑ ምንባሩ፡ ድሒሩ ኣብ ቅንያት ቀውዒ ብዝወቕዐ ዝናብ ግን፡ ብጸያቕ ማዕጺድ ከምእተሃስየ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ኣመሓዳርቲ ከባቢን ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ትካላት መንግስትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣብርሃም ሃይለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ህዝቢ ኣብ ምጽጋን ጽርግያታትን ምዕቃብ ማይን ሓመድን ንኡድ ተሳትፎ ከምዘርኣየ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ልዕሊ 126 ሽሕ ፈልሲታት ኣግራብ ከምእተተኽለ፡ ኣንጻር ጎዳእቲ ልምድታት ኣገዳሲ ጐስጓሳት ከምእተኻየደ ኣብሪሁ።
ህዝቢ’ቲ ንኡስ ዞባ ብዘይካ’ዚ፡ ንጽጉማት ስድራ-ቤታት – ኣብ ማሕረስ፡ ዓጺድን ምጽጋን መንበሪ ኣባይትን እውን ከምእተሓጋገዘ ኣረዲኡ።
ተሳተፍቲ፡ መስመር ቴለፎን፡ ጸገም ዝስተ ማይ፡ ዋሕዲ ትካላት ጥዕና፡ ካብ ቀንዲ ጸገማቶም ምዃኖም ብምሕባር፡ ዝምልከቶም ኣካላት ቈላሕታ ክገብሩሉ ሓቲቶም።