ኣብ ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘሎ ክሊማን ለምዒን፡ ንምርባሕ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ምቹእ ስለዘሎ፡ ካብ ቃሮራ ክሳብ ከባቢ ገልዓሎ ኣብ ምክልኻል ኣንበጣ ዘተኰረ ወፍሪ ገና ይቕጽል ከምዘሎ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ወኪል ሓበሬታ ኣንበጣ ምድረ-በዳ መንእሰይ ሰላም ተኽላይ፡ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ቀጻሊ መኸተ ኣንጻር ኣንበጣ እኳ ይካየድ እንተሎ፡ ገና ካብ ስግኣት ለበዳ ከምዘይወጻእና ገሊጻ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ስግር ህንዳዊ ውቅያኖስን ቀይሕ-ባሕሪን ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘሎ ኩነታት ለበዳ ኣንበጣ ምድረበዳ – ገና ኣሰካፊ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ብፍላይ ደቡባዊ ምብራቕ ክፋል ሃገርና ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝብገስ ቀጻሊ ወራራት ኣንበጣ ይጥቃዕ ብምህላዉ፡ ዳርጋ ንምሉእ ዓመት ዝኸይድ ወፍሪ ምክልኻል ኣንበጣ ክህሉ ምዃኑ ኣገንዚባ።

ኤርትራ ነዚ ኩነታት ብደቂቕ ከም እትከታተሎ ዝገለጸት መንእሰይ ሰላም፡ ብደረጃ ዞባ’ውን ብምውህሃድ ዓለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን፡ ምስ ዝምልከተን ትካላት ቀጻሊ ምልውዋጥ ሓበሬታ ከምዝግበር ሓቢራ።

ዛጊት ኣብ ዘራእቲ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ዝጠቐሰት መንእሰይ ሰላም፡ ምምሕዳራት – ከም ወትሩ ተራኦም ከዕዝዙ፡ ህዝቢ ድማ ዝኾነ ተርእዮ ወራር ኣንበጣ ምስ ዝዕዘብ፡ ብህጹጽ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳርን ጨንፈር ሕርሻን ክሕብር ተላብያ።

Categories