ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽባርካ፡ ዓቕሚ ሞያውያን ብምዕባይን ዘመናዊ መሳርሒታት ብምትእትታውን – ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዓይነታዊ ለውጢ ንምምጻእ ከምዝሰርሕ ገሊጹ።
ብ27ን 28ን ጥሪ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ዶክተር ሓየሎም ኪዳነ፡ ንቕሓትን ኣፍልጦን ሕብረተ-ሰብ ኣብ ተጠቃምነት ትካላት ጥዕናን ምክልኻል ሕማማትን ከምዝበረኸ፣ ሽፈነ ኣገልግሎት ጥዕና ብምስፋሑ ህዝቢ ኣብ ቀረባኡ ኣገልግሎት ክረክብ ከምዝበቕዐ ኣረዲኡ።
ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓሙሽተ ንኡሳን ዞባታት ዝተኣታተወ ምሕደራ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ኣብ ሆስፒታላት ዝተወሰኸ ሓደስቲ መሳርሒታትን ዓቕሚ ሞያውያንን፡ ከምኡ’ውን ዝሰልጠኑ ኣጋር ሓካይም፡ ዝጸንሐ ሕጽረታት ኣብ ምቅላል ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮም ሓቢሩ።
ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ነቲ ኣብ’ቲ ዞባ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጠለብ ኣገልግሎት ሕክምና ዝመጣጠን ቀረብ ሞያውያንን ኣቕርቦትን ልዑል ኣተኵሮ ተዋሂቡዎ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብምውህሃድ ትካላት ጥዕና፡ ምምሕዳራት፡ ካልኦት ኣካላት መንግስትን ህዝብን ዝተሳለጡ መደባት ክዕቀቡን ክድፋኣሎምን ኣዘኻኺራ።
ተሳተፍቲ ብግደኦም፡ ሓሓሊፉ ዘጋጥም ሕጽረት መድሃኒት ፍታሕ ክርከበሉ፡ ጽበት ክፍልታትን እርጋን ህንጻን ትካላት ጥዕና ቈላሕታ ክወሃቦ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ተወሰኽቲ ትካላት ጥዕና ክህነጻ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።
ኣብ መዳይ ጥዕና ተመዝጊቡ ዘሎ ለውጢ ኣተባባዒ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽባርካ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ ድማ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምስፋሕን ዓይነታዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ምምሕዳር ዞባ እጃሙ ክገብር ምዃኑ ገሊጹ።