ብ28 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ንኡስ ዞባ ሞጎሎ – ምምሕዳር ከባቢ ደጋ ኣብ ዝርከብ ያታዊ መዐደኒ ወርቂ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱ።

ኣብ’ቲ ንጥፈት ተዋፊሮም ካብ ዝነበሩ ዜጋታት፡ 3 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 16 ሰባት ከምዝሞቱ፡ 3 ገና ደሃዮም ከምዘይተረኽበ፡ 15 ከምዝቖሰሉ፡ 7 ድማ ንእስክላ ብዘይ ጉድኣት ከምዝደሓኑ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ነቶም ግዳያት ንምርዳእ፡ ህዝብን ሰራዊትን ጽዑቕ ስራሓት ከምዘካየዱ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ደጋ ኣቶ ዓብደላ መሓመድ-ዓሊ፡ ሳዕቤናት ያታዊ ዕደና ብምግንዛብ፡ መንግስቲ – እቲ ቦታ ኣብ 2014 ክዕጾ ከምዝሓበረ፡ ውልቀ-ሰባት ግን ሰሰሊኾም ክዕድኑ ከምዝጸንሑ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕ ዝተሳተፉ ነበርትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ክብ ዘብል ጐስጓሳት ክድፍኣሉ ኣተሓሳሲቦም።

Categories