ብጨንፈር ኣከባቢ ዞባ ማእከል ዝተወደበ፡ ናብ ምሕደራ ጐሓፍን ዕቃበ ኣከባብን ዝቐንዐ ዓውደመጽናዕቲ፡ ብ29 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ተኻዪዱ።
ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ፡ ኣብ ኣገዳስነት ዳግመ-ምምስራሕ ጐሓፍ ኣብ ዕቃበ ኣከባቢ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ – ህዝቢ ኣብ ምእላይን ምሕደራን ጐሓፍ ተራኡ ከዕዝዝ ተላብዩ።
ዳህሳስን ገምጋምን ኣከባብያዊ ጽልዋ፡ ምሕደራ ደረቕ ጐሓፍ ኣብ ዞባ ማእከል፡ ጠንቅታትን ሳዕቤናትን ብከላ ኣከባቢ፡ ከምኡ’ውን ምሕደራ ረሳሕ ፈሳሲ ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ዘተኰረ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።
ተሳተፍቲ፡ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ንምዕባይ ብማዕከናት ዜና ዝካየድ ጐስጓሳት ቀጻልነት ክህልዎ፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ናብ ሃገር ዝኣቱ ዘሎ ፌስታላት ግቡእ ቁጽጽር ክግበረሉ፡ ደረቕን ፈሳስን ጐሓፍ ንምእላይን ንምውጋንን ዝሕግዝ እኹል ባጀት ክስላዕ ዝብሉ ለበዋታት ኣቕሪቦም።
ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝቀላቐል ዘሎ ብዝሒ ዘለዎ ፌስታላት፡ ግቡእ ምቁጽጻር ክግበረሉ ምዃኑ ገሊጹ።