ኣብ ንኡስ ዞባ ድገ፡ ኣብ 2020 ኮማዊ ተሳትፎ ብምሕያል – ልምዓታዊ መደባት ንምድንፋዕ ብዕቱብ ከምዝስራሓሉ፡ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሁመድ ኤላ፡ ህዝቢ ዝውጠኑ መደባት ንምዕዋት ዘለዎ ቅሩብነት ልዑል ምዃኑ ብምሕባር፡ ነዚ ጸጋ’ዚ ብዝግባእ ወዲብካ ኣድማዒ ዕማማት ምስልሳል፡ ካብ መደባት ናይዚ ዓመት ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረብ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ትሑት ተጠቃምነት ትካላት ትምህርትን ንምምሕያሽ ተወሳኺ ስራሕ ከምዘድሊ ክጥቀስ እንከሎ፡ ህዝቢ ኣብ ከባቢኡ ዝርአ ጸገማት ንምቅላል ክወስዶ ዝጸንሐ ተበግሶ ክደፍኣሉ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።
ተሳተፍቲ፡ ሽግር ዝስተ ማይ ዓድ ሸክ ኣልኣሚን፡ ሃዋሻይትን ግርጅናይን ፍታሕ ክናደየሉ፡ መደበራት ጥዕና ዘይብለን ምምሕዳራት ከባቢ ቆላሕታ ክግበረለን፡ ሽግር መጐዓዝያ ናይቲ ከባቢ ክሕሰበሉ ዝብሉ ለበዋታት ኣሕሊፎም።