ብቤት-ትምህርቲ ደረጃ ተወዲቦም ኩነታት ተመሃሮ ደቆም ንምፍላጥ፡ ከምኡ’ውን ምስ ደቆምን ኣለይቶምን ንምምኽኻር ዝመጹ ወለዲን መማህራንን፡ ተበግሶኦም – ኣብ ምምሕያሽ ኣካዳሚያዊ ውጽኢት ተመሃሮ ብቐሊል ዘይጥመት ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ፡ ሓላፊ ኣካዳምያዊ ጉዳያት ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ ገሊጹ።

መምህር ምሕረትኣብ ገብረስላሴ ብ25 ጥሪ ምስ ኮሚተ ወለድን ተመሃሮን 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ኣስመራ ሓፈሻዊ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ንውጽኢትን ደረጃን ቤት-ትምህርቶም ምስ ናይ ካልኦት ኣብያተትምህርቲ ኣነጻጺሩ ድሕሪ ምቕራብ፡ ሸቶ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ብቑዕ ኣገልግሎት ትምህርቲ ብምሃብ፡ ካብ 9ይ ክሳብ 11 ክፍሊ ንዝተፈጥረ ትምህርታዊ ጋግ ንምጽባብን ዝተቐራረበ ዓቕምታት ንምምዕባልን ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ኣመዓባብላን ብልጫታትን 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ ብዝምልከት መብርሂ ዝሃበ መምህር ምሕረትኣብ፡ ኣብ ትምህርትን ምእላይን ተመሃሮ ዝካየድ ውፉይ ጻዕሪ፡ ካብ ቀንዲ ብልጫታታ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ርእሰ-መምህር 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ኣስመራ ሓፈሻዊ መምህር ሰመረ ገብረልኡል፡ ብኸምዚ ኣገባብ ተወዲብካ ዝግበር ዑደት፡ ምስ መማህራን ተዛቲኻ ብጽሒት ስራሕካ እትፈልጠሉ መድረኽ ብምዃኑ፡ ኣብ ተመሃሮ እወታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ፡ ንዕብየት መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ድማ ሓጋዚ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

እቶም ተመሃሮ ብወገኖም፡ ብምምጻእ መማህራኖምን ወከልቲ ወለዶምን ከምእተሓጐሱን፡ ሳዋ ነጥበ-መቐይሮ ዕብየትን ብሩህ መጻኢን ኮይና ከምዝረኸቡዋን ገሊጾም።

Categories