ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ህዝቢ ኣፍልጦኡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ኣብ ከተማ ‘ዉሃን’ – ቻይና ዝተራእየን ናብ ሓያሎ ሃገራት ዘስፋሕፍሕ ዘሎን – ካብ ጉጅለ ‘መርስ’ን ‘ሳርስ’ን ዝበሃሉ ዓይነታት ቫይረስ ዝኾነ ‘ኖቨል ኮሮና ቫይረስ’ ከዕቢ ጸዊዑ።

ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን ምስ ኤሪና ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት፡ ኣብ 1960 ዝተለለየ ጉጅለ ‘ኖቨል ኮሮና ቫይረስ’፡ ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ 2019 ዕሙር ዕዳጋ እንስሳታት ኣብ ዝካየደላ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ከምእተራእየ ብምሕባር፡ ብኸመይ ከምዝመሓላለፍ ክሳብ ሕጂ ብልክዕ ዝፍለጥ ከምዘየለ ኣረዲኡ።

ዶክተር ዓንደብርሃን ንምልክታት ናይዚ ቫይረስ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ፡ ልክዕ ከም’ቲ ናይ ቫይረሳት ‘መርስ’ን ‘ሳርስ’ን፡ ረስኒ፡ ጸገም ምስትንፋስን ነድሪ ሳንቡእን ከምዘርኢ፡ ካብ ዝሓመመሉ ግዝያት ሕቚፎ ክሳብ ዝሓዊ ድማ ናብ ካልኦት ሰባት ከመሓላለፎ ከምዝኽእል ገሊጹ።

በዚ መሰረት፡ እቲ ሕማም፡ ብምስዓል፡ ምህንጣስ፡ ምትንኻፍን ሕሙም ዝተንከፎ ነገራት ብምሓዝን፡ ከምኡ’ውን ብብከላ ቀልቀል ክመሓላለፍ ይኽእል’ዩ ዝብል ጥርጣረ ስለዘሎ፡ ኣለይቲ ሕሙማትን ሞያውያን ጥዕናን ግቡእ መሸፈኒ ኣፍ፡ ጓንቲን ካልእ መከላኸልን ክጥቀሙ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኖቨል ኮሮና ቫይረስ፡ ክልተ ቕነ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ካብ ቻይና ሓሊፉ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ፈረንሳ፡ ካናዳ፡ ታይላንድ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ጃፓን፡ ደሴት ታይዋን፡ ሲንጋፖር፡ ቬትናምን ጀርመንን ከምእተራእየ፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ እውን ሓሙሽተ ሰባት ብጥርጠራ ተወሺቦም ከምዘለዉ፡ ዶክተር ዓንደብርሃን ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

ነዚ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ብምውህሃድ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንገያሾ መርመራታት የካይድ ከምዘሎ፡ ኣብ ኮማዊ ሆስፒታል ቪላጆ ድማ መወሸቢ ማእከል ከምዘዋደደ ብምጥቃስ፡ ብዝተፈላለየ ጉዳያት ናብ ቻይና ከይዶም ዘለዉ ኤርትራውያን – ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ርክባት ከካይዱ፡ ብዝተኻእለ መጠን ድማ ኣብ ዘዘለውዎ ከተማ ክጸንሑ ዘዘኻኸረ ዶክተር ዓንደብርሃን፡ ካብ ኤርትራ ናብ ቻይናን ሃገራት’ቲ ዞባን መገሻታት ዘለዎም ዜጋታት፡ መገሻኦም ከወንዝፉ ጸዊዑ።

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝኽሰት፡ ዛጊት ኣብ ቻይና ጥራይ ልዕሊ 130 ሰባት ከምዝቐተለን ኣስታት 6 ሽሕ ከምዝለኸፈን፡ ጸብጻባት ጥዕና የነጽሩ።

Categories