ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሰንዩ፡ ትማሊ 28 ጥሪ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ዑደት ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት መሓመድ ኣብ ዑደቱ፡ ወደብን ፋብሪካ ታኒካን ፖሊ-ፕላስቲክ ምጽዋዕን ድሕሪ ምብጻሕ፡ ነታ ከተማ ተዘዋዊሩ ተዓዚቡዋ።

ኣብ’ቲ ዑደት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ተሳቲፎም ነይሮም።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ተፋንዩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂን፡ ብ27 ጥሪ ስሉሳዊ ርክብ ከም ዘካየዱን – ሓባራዊ መግለጺ ከም ዘውጽኡን ይዝከር።

Categories