ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ጠንቂ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ንምውጋድ ዕቱብ ስራሕ ክካየድ፡ ፖሊስ ናይ’ቲ ዞባ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ሕግታት ትራፊክ ብዘይምኽባር ዝስዕብ ሓደጋታት፡ እርጋንን ጽበትን፡ ከምኡ’ውን ንተሽከርከርትን መራሕተንን ዘጸግም ዓቐበ-ቁልቁል ዝበዝሖን ዘይጥጡሕ ጽርግያታት፡ ካብ ቀንዲ ጠንቂታት ሓደጋ ተሽከርከርቲ ይኸውን ከምዘሎ፡ ሓላፊ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ዓንሰባ ሜጀር መልኣከ ገብረማርያም ኣገንዚቡ።

ዓቐብ ጥንቁልሓስን ካብ ዓዲ-ተከሌዛን ክሳብ ባልዋ ዘሎ ጥውይዋያትን፡ ንተራኣይነት ዝድርት ኣግራብን ጨናፍርን. . . ጠመተ ከምዘድልዮ ድማ ኣመልኪቱ።

ሓላፊ መርመራ ሓደጋታት ትራፊክ ኣብቲ ዞባ፡ ኣቶ ጀማል ዑስማን ብወገኑ፡ እኹል ታቤላታት ዘይምህላዉን ዝኣረገ ዘይምሕዳሱን፡ ንተራኣይነት ዝሕግዝ መስትያት ምስብባሩ፡ ኣብ ግዜ ሓደጋ እተገልግል ዓባይ ክሬን ዘይምህላዋ፡ ካብ’ቶም ንስርሖም ብኣሉታ ዝጸልዉ ዘለዉ ረቛሒታት ምዃኖም ገሊጹ።

Categories