ነበርቲ ሓጋዝ፡ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮኦም ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገብር ዘሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ቀጻልነቱ ንምውሓስን ንምምዕባልን፡ ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ገሊጾም።

እቶም ነበርቲ፡ ብውህደት ህዝብን መንግስትን በብእዋኑ ክዋደድ ዝጸንሐ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንዝነበሮም ጸገማትን ሃልክን ብምፍታሕ እፎይታ ከምዝፈጠረሎም ሓቢሮም።

ዝጸንሐ ሽግር ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምፍታሕ ብዝተገብረ ጻዕሪን ዝተወስደ ተበግሶን፡ ከፊላዊ ፍታሕ ከምእተረኽቦ ዝሓበሩ’ቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ኮም ዝመርሖ ከባብያዊ ጽሬት ንምትእትታው ዝካየድ ዘሎ ስርሓት ብዝሰፍሐ ክቕጽል ኣዘኻኺሮም።

ከተማ ሓጋዝ፡ ኣብ 1993 እዩ ርእሰውጥን ተዳልዩላ።

Categories