ውዳበ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ኣብ ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ብ22 ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመሮ ምሕብሓብ ስድራ ስዉኣት ብዝሓየለ ክደፍኣሉ ምዃኑ ገሊጹ።
ሓላፊ’ቲ ውዳበ መንእሰይ ኣታኽልቲ ንጉሰ፡ ክሳብ 2018 ተዳኺሙ ዝጸንሐ ውዳበ ንምብርባር ብዝተገብረ ዳግመ-ምውዳብ፡ ኣብ ሓጺር እዋን እወታዊ ለውጢ ከምእተመዝገበ፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ስድራ ስዉኣት ናይ ምእላይ ተበግሶ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምግራብ፡ ኣብ ልግሲ ደምን ስልጠናታትን ዘለዎም ቅሩብነት ከዕዝዙ ተላብዩ።
ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን፡ ውዳበ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ብዘካይዶ ዘሎ ዕቱብ ጻዕሪ – መሰረታዊ ለውጢ ይመጽእ ከምዘሎ፡ ሓሓሊፎም ዝረኣዩ ድኻማትን ብድሆታትን ብኣጋ ንምፍዋስ ድማ፡ ሓባራዊ ስራሕ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ።
ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ኣብ ህሉውን መጻእን ኩነታት ሃገር ብንቕሓትን ተወፋይነትን ዝዓዩ – ብቑዓት መንእሰያት ኣብ ምውዳብ ጻዕሪታት ክዛይድ ተላብዩ።