መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ ትማሊ 27 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ዘካየድዎ ስሉሳዊ ርክብ፡ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን፡ ኣብ ኩነታት ሃገራቶም፡ ስሉሳዊ ምትሕግጋዝን ምዕባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ግልጺን ዓሚቚን ዝዀነ ዘተ ኣካዪዶም።

ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ ንዝኸተሙሉ ስምምዕ ዘለዎም ጽኑዕ መብጽዓ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ንትግባረኡ ዘካይድዎ ዘለዉ ውሁድ ጻዕሪ ገምጊሞም።

ናብ’ቶም ቀንዲን ዝተወሳሰቡን ዕላማታት – ምሕያል ሰላም፡ ርግኣትን ጸጥታን ከምኡ’ውን ምድንፋዕ ቁጠባውን ማሕበራውን ልምዓት ዘተኰረ ሓባራዊ ውጥን ስራሕ 2020ን ኪንዮኡን ድማ ኣጽዲቖም።

ኣብ መዳይ ጸጥታ፡ ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ነቲ ናይ ሓባር ስግኣት ዝዀነ ሽበራ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር፡ ደቂሰብን ዕጸ-ፋርስን ንምቅላስ፡ ኣጠቓላሊ ውጥን ስኢሎም።

ቁጠባውን ማሕበራውን ልምዓት ኣብ ዝምልከት፡ ምጉስጓስ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ጸጋታት፣ ምምዕባልን ምርኻብን ትሕተ-ቅርጺ፣ ከምኡ’ውን ምምዕባል ናይ ኣፍራዪነትን ኣገልግሎታትን ጽላታት ቀዳምነት ክወሃቦም ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ብዘይካ’ዚ፡ መሓዙትን መሻርኽትን ንዝገብርዎ ኣብ ሓባራዊ ምክብባርን ረብሓታትን ዝተሰረተ ምትሕግጋዝ ብምምጓስ፡ ንምድንፋዑ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣብ መወዳእታ፡ ሃንቀውታ ህዝብታቶም ንምስማር፡ ኣድማዒ ምትሕብባር ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምምኽኻር፡ ምስ ኣሕዋት መራሕቲ ሃገራት ከካይዱ ተሰማሚዖም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2018 ድማ ኣብ ባህርዳር ተመሳሳሊ ስሉሳዊ ርክብ ኣካዪዶም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

Categories