ኤርትራውያን ነበርቲ ካርቱምን ከባቢኣን – ሱዳን፡ ኩዌት፡ ሃምቡርግ – ጀርመን፡ ኡፕሳላ – ሽወደንን ጁባን ከባቢኣን – ደቡብ ሱዳንን፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን መድረኻዊ ሓላፍነቶምን ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዶም።

ብመሰረት ከካብ ቦታኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ፡ ቊጠባዊ ሓርነት ንምጉንጻፍን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምስፋንን ብመትከል ርእሰ-ምርኰሳ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባትን ገስጋሱን ከምኡ’ውን ንህሉው ኩነታት ዞባናን ኣህጉርናን ኣመልኪቱ፡ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ካርቱምን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ሰሚናር ኣቶ ኢብራሂም፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ መድረኽ ርጉእ ጎደቦ ንምፍጣር ዝተፈላለየ ናይ ሽርክነትን ምትሕግጋዝን ንጥፈታት ይካየድ ከምዘሎን ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ምህላዉን ብምጥቃስ፡ ኣብ ሱዳን ድሕሪ ዝመጸ ለውጢ፡ ክልተኣዊ ዝምድና ንምድንፋዕ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣቶ ኢብራሂም ኣስዒቡ፡ ንምሕያል ማሕበረ-ኮም ከምኡ’ውን ስሉጥን ጽፉፍን ቈንስላዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል መደባት ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ ገጽ 2 ገጽ 5 ገጽ 6 ገጽ 7 ገጽ 9 መጥቃዕቲ ሎከርቢ – ክዕበጥ ዝተደልየ ሓቂ ህዝብታትን ባህልታቶምን ቀረብ ጸዓት ካበይ ናበይ . . . .? ምስ ተጋዳሊት መኣዛ ገብረገርግስ . . . ራሽፎርድ ተወሳኺ መጉዳእቲ የጋጥሞ 2020 ይስርሓሉ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቶም ዜጋታት ሓድነቶም ብምትራር ውዳበታቶም ከሐይሉ ተላብዩ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ ካርቱምን ከባቢኣን፡ መበል 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ጸምቢሎም።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ኣብ ካርቱምን ከባቢኣን ወይዘሮ ኤደን ታደሰ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ማሕበር ኣብ’ዚ ናይ 40 ዓመታት ዕድመኡ ኣሳሊጥዎ ዘሎ ዓወታትን ዝሰገሮም ብድሆታትን ድሕሪ ምብራህ፡ ፍልጠት ዝዕጣቓ – ሞያ ዝሕላገታ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ንምህናጽ ዘካየዶ ጻዕሪ ኣተባባዒ ዓወታት ኣመዝጊቡ ከምዘሎ ኣብሪሃ።

ኣብ’ቲ ጽምብል፡ ሓላፊት ማሕበር ደቂኣንስትዮ ካልኦት ውዳበታት ደቂኣንስትዮን ሱዳን ናይ ደገፍ ቃል ኣቕሪበን።

ኣብ’ቲ ብባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ዝደመቐ ጽምብል፡ ኣብ ንጥፈታት ማሕበር ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላትን ውዳበታትን፡ ከምኡ’ውን መሓዙት ማሕበራት ናይ ምስጋና ወረቐት ክዕደል እንከሎ፡ ኣብ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልሲ ከም ሓፋሽ ውድባት ብምዃን ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበረት ኤርትራዊት ኣደ ወይዘሮ ለተዝጊ ሃብተሚካኤል (ማማ ማርግሬት) ብኤምባሲ ኤርትራ ዝተዳለወ ሽልማት ተዋሂቡ።

ብኻልእ ወገን፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ኩዌት፡ ኣብ 2019 ናይ ዘካየዶ ንጥፈታት ገምጋም ኣካዪዱ።

ኣቦ-መንበር’ቲ ማሕበረ-ኮም ኣቶ ሳልም ሳፊ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዝሓለፈ ዓመት – ዓመት ስራሕ ምንባራ፡ እቲ ማሕበረኮም ድማ ውዳበኡ ኣሐዪሉ ኣብ ኩሉ መደባት ኣበርክቶ ከምዝገበረ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘለና ዓመተ 2020 ኣብ ምድንፋዕ መደባት ህንጸት ሃገርን ወፍርን ብቐዳምነት ከምዝሰርሑ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት ድሕሪ ምዝታይ፡ ማሕበረኮም ዝያዳ ኣብ መንእሰያት ኣተኲሩ ንጥፈታቱ ከሰላስል ተላብዮም።

ብዘይካ’ዚ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ሃምቡርግ – ጀርመን፡ “ቁጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ” ብዝብል ቴማ ሰሚናር ወዲቦም።

ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ፡ መንግስቲ – ዕብየትን ምዕባለን ቁጠባ ሃገር ንቕድሚት ዘሰጉምን መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽን ዝዓለመ ዕድላት ወፍሪ ኣጣጢሑ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ተረባሒ ክኸውን ጸዊዑ።

ሓላፊ ዲፕሎማሲን ሜድያን ኣቶ ተኽሉ ለባሲ ብግደኡ፡ ልምዓታዊ መደባት ዝዕወት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘንግስ ኣተሓሳስባን ምስ ዝህሉ ምዃኑ ጠቒሱ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ መዳይ’ዚ ብዘዋህለሎ ተመኲሮ ይጐዓዝ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ኡፕሳላ – ሽወደን’ውን ብ12 ጥሪ ኣብ ዘካየድዎ ተመሳሳሊ ሰሚናር፡ “ናይ መኸተ ምዕራፍ ኣኽቲምና፡ ኣብ ምዕባለን ህንጸትን እንዋስኣሉ መድረኽ ኣቲና ኣሎና” ዝበለ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ኣቶ ዮናስ ማና፡ ብዛዕባ’ቲ ዜጋታት ተረባሕቲ ጸጋታት ሃገሮም ንክኾኑ ተራሕዩ ዘሎ ናይ ወፍሪ ዕድላትን ኣገባባትን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ብተወሳኺ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ማሕበረኮም ጁባን ከባቢኣን፡ ከምኡ’ውን ሽማግለ ምሕደራ ህንጻ፡ ብ28 ታሕሳስ ምስ ኤርትራውያን ወለዲ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ቊጽሮም እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ኤርትራውያን ቈልዑ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ዝረኽቡሉ ባይታ ንምፍጣር ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኣብ ዝተዋደደ ‘ኣዳራሽ ጽንዓት’፡ ናይ መውዓሊ ህጻናትን ኣገልግሎት ቀዳማይ ክፍሊን ዝህብ ትካል ክዋደድ ብመሰረት ዝተበጽሐ ምርድዳእ፡ ካብ ዕለት 20 ጥሪ እቲ ኣገልግሎት ክጅምር ምዃኑ ተሓቢሩ።

ሽማግለ ምሕደራ ቤት-ትምህርቲ ብ12 ጥሪ ምስ ኤርትራውያን ወለዲ ተቐማጦ ጁባ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣቦመንበር ናይ’ቲ ሽማግለ ኣቶ ሚኪኤል ብርሃነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ “ዘይምሃር ህጻን ንኸይህሉ” ዝዓለመ ኣገልግሎት ምስ ምሉእ መሳለጥያታቱ ተዋዲዱ ምህላዉ፡ ንኣድማዕነቱ ድማ ተሳትፎ ናይ ኩሎም ወለዲ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዓቕሚ ዘይብሎም ስድራቤታት ደቆም ተረባሕቲ ናይ’ዚ ኣገልግሎት’ዚ ንክኾኑ ከምዝስራሓሉ ኣገንዚቡ።

Categories