ሃገራዊ ትካል ሕርሻዊ ምርምርሓልሓለ፡ ኣብ ዓሌታት ኣዝርእቲ ዝተገብረ ምምሕያሽ ብሓረስቶት ጽቡቕ ተቐባልነት ከምዝረኸበ፡ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ኣብ ሓልሓለ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ገሊጹ።

ብመሰረት ኣካላት’ቲ ትካል ዘቕረባኦ ጸብጻብ፡ እቲ ምምሕያሽ ዝተገብረሉ ኣዝርእቲ፡ ዓሌታት ስርናይ፡ መሸላን ብልቱግን ከምዘጠቓልል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ፍረታት ኣግራብን ጥሪትን ድማ ውጽኢታዊ ምርምራዊ ስራሕ ከምእተዓመ ተፈሊጡ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓወታት ናይ’ቲ ትካል፡ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከባ ዓድታት፡ ዘመናዊ ሜላ ምድቓል እንስሳታት ንምትእትታው ዝተገብረ ጻዕርን ውጽኢቱን ምዃኑ፡ ካብ ሕማም ናጻ ዝኾነ ኣሕምልትን ፍረታትን ንምምዕባል ዝተኻየደ ምርምራዊ ስራሕ እውን ውጽኢታዊ ኮይኑ ከምእተረኽበ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ዘተ ተሳተፍቲ – ሞያዊ ዓቕሚ ተመራመርቲ ሕርሻ ዝዓብየሉ ኩነታት ክፍጠር፡ ኣብ ምምሕያሽ ዓሌታት ደርሁን ውጽኢተንን ዝያዳ ምርምር ክካየድ፡ ምቁር ድንሽ ብከምቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ናህሪ ክቕጽል ዝምልከተን ኣካላት መንግስትን ምምሕዳራትን ጐስጓሳት ክገብሩ፡ ኣብ ዕቃበ ባህርያዊ ሃብትን ልምዓት መስኖን ውጽኢታዊ ኣገባባት ንምኽታል – ብውህደት ክስራሕ ዝብሉ ለበዋታት ኣቕሪቦም።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻዊ ኤክስቴንሽን ኣቶ ሕሩይ ኣስገዶም፡ ሓፈሻዊ ዕላማ ምርምር፡ እቶትን እቶታውነትን ሕርሻ ምዕባይ ምዃኑ ብምሕባር፡ መንእሰያት ተመራመርቲ ሕርሻ፡ ብዘሎ ድሩት ዓቕሚ ዘርእይዎ ዘለዉ ተበግሶታት ክተባባዕ ዝግብኦ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

Categories