ኣብ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ውሽጣዊ ንግዲ – ገዲም ተገዳላይ ሞጎስ ወልደሚካኤል፡ ብሃንደበታዊ ሕማም ትማሊ 15 ጥሪ ኣብ መበል 72 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ 1975፡ ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ ሞጎስ፡ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፡ ብልዑል ሞያዊ ብቕዓት ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።
ገዲም ተጋዳላይ ሞጎስ ወልደሚካኤል፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሽዱሽተ ደቂን እዩ።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተጋዳላይ ሞጎስ፡ ሎሚ 16 ጥሪ ፍርቂ-መዓልቲ፡ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።
ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ሞጎስ ወልደሚካኤል ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ጽንዓት ይምነ።