ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ መደባት ልምዓት ብዝሓየለ ውዳበ ንምግስጋሱ ክስራሓሉ ምዃኑ፡ ብ9 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ወከልቲ 21 ምምሕዳራት ከባቢ ዝተሳተፍዎ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ኣቶ ሃብታይ ተስፋዝጊ፡ ብተሳትፎ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ኣብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ፕሮጀክትታት ኣብያተ-ትምህርትን ዝስተ ማይን ይሰላሰል ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ተወሳኺ መደባት ንምትግባር ውጥን ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብኮማዊ ወፈራታት፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምእካብ ኣዝርእትን ካልእን ንዝተራእየ ውህደትን ኣድማዕነቱን ዘመጐሰ ኣቶ ሃብታይ፡ ብሕልፊ ንስድራ-ስዉኣትን ጽጉማት ወገናትን ዝግበር ምድግጋፍ ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኪሮስ ገብረማርያም፡ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ – ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምስራሕ ቅናታዊ ዛላታት፡ ምድልዳል መሬት፡ ምጽራግን ምጽጋንን ናይ ሓመድ ጽርግያታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጽሬት ከባቢ ናይ ዘሰላሰላኦ ንጥፈታት ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

ራሕቂ ትካል ጥዕና ንነበርቲ ገለ ዓድታትን፡ ዘይምክትታል ወለዲ ንተመሃሮ ደቆምን፡ ካብቶም ዝተራእዩ ጸገማት ምንባሮም ድማ ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ከተማ ዓዲቐይሕ መወከሲ ሆስፒታል ንምህናጽ፡ ቀጽሪ ዘይብለን ኣብያተ-ትምህርቲ ክስራሓለን፡ ከምኡ’ውን ንቀረብ ማይ ዝምልከት መደባት ከምዘሎ ተጠቒሱ።

Categories