ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ኣብ ምጥርናፍ ቁሸታትን ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርትን ዘተኰረ ጐስጓሳት ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ምዃኑ፡ ብ13 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ንምብጋስ መደባት 2020 ተሓቢሩ።

ብመሰረት ናይ’ዚ ዓመት ውጥን፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ምህዳፍን ገብገብን ሓጽብታት ክስራሕ፡ ንጥፈታት ምግራብ ኣብ ከተማ ኣፍዓበት ብሰፊሑ ክስራሓሉ፡ ወፈራታት ምጽጋን ጽርግያታትን ምዕቃብ ማይን ሓመድን ክድፋኣሉ እዩ።

ኣብ’ቲ ኣመሓደርቲ ከባቢን ሓለፍቲ ትካላት መንግስትን፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ህዝቢ ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኖር ረጀብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰለስተ ኣብያተ-ትምህርትን ሓንቲ መውዓሊ ህጻናትን ተሃኒጸን ኣገልግሎት ከምዝጀመራ፡ ሰበኽሳግማዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ትምህርቲ እውን ከምእተዋደዳ ኣረዲኡ። ዕድል ትምህርቲ ተሓሪሙዎም ዝነበሩ ኣስታት 5 ሽሕ ቈልዑ፡ ተጠቀምቲ ኮይኖም ምህላዎም እውን ገሊጹ።

ኣገልግሎት ጥዕና ብዝምልከት፡ ኣቶ ኣሕመድ፡ ኣብ ሆስፒታል ኣፍዓበት ዝተኣታተወ ሕክምና ዓይኒን ስኒን ኣገልግሎት ብምጅማሩ፡ ህዝቢ ካብ ሃልኪ ጉልበትን ገንዘብን ተገላጊሉ፡ ኣብ ቀረባኡ ክሕከም ከምዝበቕዐ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ንመደባት ልምዓትን ጽሬት ከባብን ዝሕግዝ ርእይቶታት ድሕሪ ምሃብ፡ ኩባንያ መጐዓዝያ ሓራት ስሩዕ ኣገልግሎት ክህብ ተላብዮም።

Categories