ኣብ ንኡስ ዞባ ሞጎሎ፡ ኣብ ትግባረ መደባት ልምዓት ብሓፈሻ – ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ድማ ብፍላይ፡ ብህዝብን መሻርኽቲ ኣካላትን ዝተገብረ ኣስተዋጽኦ ተሞጒሱ።

ብ13 ጥሪ ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣብርሃም ኪዳነ፡ ኣብ 2019 ብሰፊሑ ዝተሰርሓሉ ንጥፈታት ምድንፋዕ እቶትን እቶታውነትን ሕርሻ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ እውን ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ክስራሓሉ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣበርክቶ ኣካላት መንግስትን ኣመሓደርቲ ከባቢን ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ኣብ 2019 ናይ ዝተኻየደ ንጥፈታት ዝርዝር ክቐርብ እንከሎ፡ ብዝነበረ ህጡር ክራማት ጽቡቕ እቶት ከም እተረኽበን እኹል ሳዕሪ ከም እተኣከበን ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ብማሕበር ተጠርኒፎም ቀረብ ጸባ ንምዕባይ ክሰርሑ ድማ፡ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ተሳተፍቲ፡ ጸገም ዝስተ ማይ ፍታሕ ክናደየሉ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ናብ ርሑቕ ከባቢታት ክሰፍሕ፡ ዕደላ መሬት ቀዳምነት ክወሃቦ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories