ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ኣእካልን ሳዕርን ክሳብ ዝእከብ፡ ተርእዮ ኣንበጣ ንምክልኻል ዝግበር ምክትታልን ኰለላታትን ክሕይል ጸዊዑ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ናይ’ቲ ዞባ ዝተጸፍየ ኩብኩብታ ንምቊጽጻር ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ዝተዓዘበ – ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ፡ “ባልዕ፡ ሓባራዊ ብድሆ ብምዃኑ – ሓባራዊ ጻዕሪ ይሓትት” ድሕሪ ምባል፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ሓረስቶትን ምስ ክኢላታት ሕርሻ ዝገብሩዎ ምትሕባብር ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ዞባና ብሓፈሻ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ድማ ብፍላይ ኣንጸላልዩ ዘሎ ወራር ኣንበጣ፡ ኣብ እዋኑ እንተዘይ ተሰሪሑሉ ሳዕቤኑ ቀሊል ስለዘይከውን፡ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ምስ ሓያሎ ሃገራት ዝዳወብ ብምዃኑ፡ ዝጽፈ ይኹን ዶብ-ሰገር ዕስለታት ብኣጋ ንምቊጽጻር – ልዕሊ ካልእ እዋን ጽዑቕ ምክትታል ክካየድ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ዞባ ሓላፊ ጨንፈር ልምዓት ብቚሊ ኣቶ ተስፊት ገብረዝጊኣብሄር፡ እቲ ዞባ ካብ ወፍሪ ምክልኻል ባልዓት ኣቋሪጹ ከምዘይፈልጥ፡ ናይ ሎም-ዘበን ክራማት ባሕሪ ከኣ፡ ንምርባሕ ኣንበጣን ካልኦት ባልዓትን ምቹእ ኩነታት ከምዝፈጠረ፡ ምስ’ቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሰ ተደሚሩ ድማ ድርብ መኸተ ከምዝሓተተ ገሊጹ።

እቲ ናይ ምክልኻል ወፍሪ፡ ኣብ እማህሚመ፡ ግራት፡ ግልቡብ፡ ሽዕብ፡ ወቒሮን ፎሮን ነቚጣታት ብምድኳን ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ካብ መሬት ከይነፈረ ንምቊጽጻሩ ስለዝተኻእለ ድማ፡ ዘራእቲ፡ መገሃጫን ገረብን ከምዝደሓነ ዝሓበረ ኣቶ ተስፊት፡ ንተራን ኣበርክቶን ህዝቢን ሓረስቶትን ከምኡ’ውን ንተወፋይነት ክኢላታትን መራሕቲ ማካይንን ሞጒሱ።

Categories