መኰነን ሓበሬታን ጐስጓስን ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2020 ዘዳለዎ ምርኢት ቅብኣን ቅርጻን፡ ብ13 ጥሪ ኣብ ከተማ ኣስመራ – ኣዳራሽ ዘ‘ ጋለሪ’ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ተኸፊቱ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል መጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን፡ ካልኦት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሚኒስትሪ ምክልኻልን ተረኺቦም ነይሮም።

እቲ ንምርኢት ቀሪቡ ዘሎ ስነ-ጥበባዊ ትሕዝቶ፡ ንባህልን መነባብሮን ህዝቢ ኤርትራ፡ ንጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ከምኡ እውን ንመደባት ልምዓት ዘንጸባርቕ እዩ።

ካብ መኰነን ሓበሬታን ጐስጓስን ሚኒስትሪ ምክልኻል – ወይዘሮ ሶፍያ ሳልሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝተዳለዉ ናይ ቅብኣን ቅርጻን ስራሓት፡ ኣብ’ቲ ምርኢት ብውክልና ቀሪቦም ከምዘለዉ ሓቢራ።

እቲ ስነ-ጥበባዊ ምርኢት፡ ክሳብ ዓርቢ 17 ጥሪ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ከምዝቕኒ፡ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories