ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ንኡስ ዞባ መንሱራ፡ መነባብሮ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገማት ዘለዎም ወገናት ንምምሕያሽ ዝተፈላለየ መደባት የተግብር ኣሎ።

ከም ኣካል ናይ’ቲ ዝጸንሐ ምድግጋፍ፡ ንሸውዓት ስንኩላን ናይ ጥሪት ሓገዝ ከምእተገበረ፡ ተጸዋዒ ናይቲ ቤት-ጽሕፈት ኣቶ እድሪስ መሓመድ-ዓሊ ሓቢሩ።

ንነፍሲ-ወከፍ ስንኩል ዋጋ 10 ሽሕ ናቕፋ ጤለ-በጊዕ ተዓዲገን ከም እተወሃብኦም ተፈሊጡ።

ኣቐዲሙ እውን፡ ጽጉማት ተመሃሮ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ከም እተገበረሎም ይዝከር።

Categories