ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ኣብ 2019 ኣስታት 28 ሚልዮን ናቕፋ ዝወድኡ ትሕተ-ቅርጻዊ ስራሓት ከም እተተግበሩ ገሊጹ።

ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ንምህብታምን ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምድንፋዕን፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ዓድ-ሹማ፡ ደንጎሎ ላዕላይ፡ ጸረት፡ ሖጺትን ማይ-ሓባርን ሓሙሽተ ንኣሽቱ ዲጋታት ከምእተሰርሓ፡ ኣብ ዕንደሊን ሖጺትን ክልተ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምእተሃንጻ በሪሁ።

ማይን ሓመድን ንምዕቃብ፡ ኣብ ማይ-ክዖታት ዝተፈላለየ ስራሓት ከምእተኻየደን ኣስታት 20 ሽሕ ኣግራብ ከምእተተኽለን ክጥቀስ እንከሎ፡ ተሳትፎ ህዝብን መሻርኽትን ኣብ ምዕቃብ ሕሩም ሕዛእትን ምውሓስ ከባቢያዊ ጽሬትን ዝነኣድ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ኣብ 2020፡ ተጀሚሮም ዘይተዛዘሙ መደባት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምጽፋፍ፡ ቀረብ ዝስተ ማይ ከተማ ጊንዳዕ ምውሓስ፡ ኣብ መስርሕ ህንጸት ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ምዝዛም፡ መስርሕ ምጥርናፍ ዓገምቡሳ ምስልሳል፡ ጽሬት ከተማ ጊንዳዕ ምሕላው. . . ዘጠቓልሉ መደባት ክትግበሩ ምዃኖም ድማ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ ዑመር ያሕያ ሓጅ፡ ኣብ መስርሕ ዝርከቡ መደባት ልምዓት ንምትግባር፡ ነበርቲ ብሓፈሻ ኣመሓደርትን ኣነባብርትን ድማ ብፍላይ – ሱታፌኦም ከዛይዱ ኣዘኻኺሩ።

Categories